ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ንጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣጥቂዖም!
ደባይ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ስደግኤ)፡ ደቂቕን ዝርዝራውን መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ብ ሰንበት 08 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ: ኣብ ስለያዊ ንጥፈታት ተዋፊራ ካብ ሕሰም ምልኪ ከምልጡ ዶባት ንዝሰግሩ ንጹሃት ኤርትራውያን ትሃድን ንዝነበረት ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መዓስከራ ከባቢ ዳሰይ አዕሪፋ እንከላ፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ኣርባዕተ ኣባላት ቀቲሎም ሓያሎ ንብረት ማሪኾም።
ኣብቲ ስርሒት፡ መራሒ እታ ጉጅለ፡ ተለንተ ግርማይ ወልደማርያም መሓሪ ዝርከቦም ኣርባዕተ ኣባላት ስለያ ከምዝተቐትሉ፡ እንተኾነ ናይቶም ሰለሰተ ኣባላት ስለያ መንነት ገና ከምዘይተፈልጠ ይሕበር። እዛ ሓደገኛ ጉጅለ ስለያ፡ ንስርሓ ዝሕግዛ እኹል ዕጥቅን መሳርሕን፡ ናይ ገንዘብ ይኹን ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያ ስለዝነበራ፡ ኣብ ዶባት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ሶሊዃ ብምእታው፡ ካብ ምልኪ ንዘምለጡ ዜጋታት ክትጨውን ከተእስርን ከምኡ እውን ብኮንትሮባንድ እናመኽነየት ንብረት ህዝቢ ክትዘምት ዝጸንሐት አዕናዊት ጉጅለ እያ።
Ещё видео!