Mezmur Orthodox Tewahdo
ኣብቲ ጽላሎትኪ {2}
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእን ኩነኔ {2} እህ
ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሓሳቡ ኔርኪ
ብኣኽናፍ መልኣኹ ጌሩ ከሊሉኪ
መታን ክትኮንዮ ንጽህቲ መዕረፊት
ኣምላኽ ሓርዩኪ ኣልዒሉ ኣኽቢሩኪ
ከምቶም ኣቦታትና ብጽእቲ ንብለኪ
ኣይንቅነቅን'ዩ ፍቅርና ኣብ ልዕሌኺ
ኣየቋርጽን'ዩ መዝሙርና ንስምኪ
ምኽንያት ድሕነትና ኢኺ መራሕት ናይ ጽድቂ
ቆጥቃጥ ደብረ ሲና መሎኮት ዝጾርኪ
ዳዊት ተደሲቱ ዘሚሩ ንስምኪ
ኣብ የማን ትቖዉም ንግስቲ ኢሉኪ
💖ነዚ ኢና ንኣምን ኣብ'ዚ ኢና ንውከል ❤
💎ድንግል ብሕልና ብስጋ'ውን ድንግል 🙏
🤲 ኦ ምልእተ ጸጋ ሰላም ለኪ ንብል💞
ኣኽሊል ትምክሕትና ጀማሪት እምነትና
ድልድል መሳገሪት ማዕዶት ናይ ሂወትና
ቅዱሳን ኣቦታት ዘሚሮም ንስምኪ
ምሳሌ ስኢኖም ዝገልጽ ንዓኺ
ሎሚ ውን ክበሪ በኣና ደቅኺ
ስቕ ኣይንብልን'ና ጽዮን ስል ስምኪ
ድንግል እመብርሃን ቀድስና ኢኺ
ሓፍቲ መልኣኽቲ ትንቢቶም ንነብያት
ሞጊሶም ውን ኮንኪ ንጻድቃን ሓዋርያት
ኣደ ናይ ሰማእታት ሞቖምያ ቅዱሳን
ደጋፊት ዱኹማት ምርኩስ ተስፋ ሓጥኣን
ብሉይ ሓዲሽ ኪዳን ጠቒሱ ንስምኪ
መልእልተ ፉጡራን መትኅተ ፈጣሪ
ኪዳንኪ ኣዘክሪ ድንግል ኣደ ፍቕሪ
ድምጺ ሰላምታኺ ፍስሃ ናይ ልበይ
ጭንቀተይ ተርሕቕ መላሲት ሰላመይ
እቲ ናይ ሞት መልኣክ ንድሕሪት ክምለስ
ጸሎትኪ'ዩ ኔሩ ናይ ሂወተይ ዋሕስ
ናይ መስቀሉ ህያብ ህያብ ቀራንዮ
እተዊ ናብ ቤተይ ጸላም ኣብርሂዮ
ምሳይ`ውን ንበሪ ህይወተይ ምርሕዮ
Ещё видео!